ፍትሕ

ሐጭር አገላለፅ

እዚአ ጹሑፍ ሲለ ፍትሕ ዝትገልጽ ጹሑፍ ኢያ

Download
ነዛ ገፅ ወናኒ ርኢቶኻ ፅሓፈሉ

ሰፍሕ ዓይነት

    ፍትሕ

    ዳር - አል - ኑር

    —™

    ካሊፋ ሐማድ እስማዕል

    ዓብዱልቃድር ሙሐመድ አዋል

    العدل

    دار - النور

    —™

    خليفة حمد اسماعيل

    عبد القادر محمد أول

    بسم الله الرحمن الرحيم


    ኣላህ (ዓ.ወ) ንኹሉ ፍጥረታቱ ብፍትሒ ኣቑሙዎ: ብፍትሒ መሬትን ሰማይን ህልዋት ኮይነን: ብፍትሒ ሸሪዓን እስልምናን ተመስሪቱ: ብፍትሒ ድማ ኣብ የውመልቅያማ ናይ ምትሕስሳብ: ብይንን ፍርድን ክፍጸም እዩ::

    والسماء رفعها ووضع الميزان ألا تطغوا في الميزان وأقيموا الوزن بالقسط ولا تخسروا الميزان

    ኣላህ (ሱ.ወ) ንዓመጽ ኮታ ከምዝኾነነ ክሕብር እንከሎ: ረቢ ክንዲ ፍረ ኣድር’ውን ትኹን ንወልሓደ ካብ ባሮቱን ፍጡራቱን ከምዘይዕምጽ የብርህ::

    وما ربك بظلام للعبيد

    ’’ጽቡቕ ዝገበረ ንነብሱ: ሕማቕ ዝገበረ ንነብሱ: ኣላህ ግን ብፍጹም ንባሮቱ ዓማጺ ኣይኮነን!’

    مَنْ عَمِلَ صَالِحًا فَلِنَفْسِهِ وَمَنْ أَسَاءَ فَعَلَيْهَا وَمَا رَبُّكَ بِظَلاَّمٍ لِلْعَبِيدِ

    ’’ ኣላህ እካ ብወልሓደ ንደቂሰባት ኣይዕምጾምን እዮ: ግን ደቂ-ሰባት ነብሶም ባዕላቶም ይዕምጹ’’

    إِنَّ اللَّهَ لاَ يَظْلِمُ النَّاسَ شَيْئًا وَلَكِنَّ النَّاسَ أَنْفُسَهُمْ يَظْلِمُونَ

    ረቢ (ሱ.ወ) ንነብሱ ጥራይ ካብ ዓመጽ ኣይሓረመን: ንባሮቱ'ውን ከይተዓማመጹ ሓራም ጌርሎም:: ኣብ ሓዲስ ቑድሲ ከምዚ ይብል ''ኣቱም ባሮተይ ዓመጽ ንነብሰይ ከልኪለያ እየ: ኣብ ሞንጎኹም’ውን ክልክልቲ ጌረያ ኣለኹ’ሞ ኣይትተዓማመጹ:''
    ፍትሒ ከየንገሰ: ዓመጽ ዝመረጸ ኣብ ኣዱንያን ኣብ ኣኼራን ዓስቡ ይረክብ: ፍረ-ስርሑ ድማ ይፍደ:: ረቢ (ሱ.ወ) ንዓማጺ ወላኳ ዕድል እንተሃቦን እንተጽነሖን ኣይርስዖን: ምስ ሓዞ ድማ ኣይፍንዎን እዩ::

    وَكَذَٰلِكَ أَخْذُ رَبِّكَ إِذَا أَخَذَ الْقُرَىٰ وَهِيَ ظَالِمَةٌ إِنَّ أَخْذَهُ أَلِيمٌ شَدِيدٌ

    ዓመጽ ክበሃል እንከሎ ሰለሰተ ዓይነት ዙልሚ እዩ ዘሎ: እቲ ቐዳማይ: ኣብ ሞንጎኻን ኣብ ሞንጎ ኣላህን: እዚ ማለት ንሓደ ኣላህ ገዲፍካ: ኣብ ኩፍርን ኣብ ሽርክን ምስትዋፈር ማለት እዩ::

    وَمَنْ أَظْلَمُ مِمَّنِ افْتَرَىٰ عَلَى اللَّهِ كَذِبًا

    እቲ ካልኣይ: ኣብ ሞንጎናን ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባትን ክንተዓማመጽ እንከለና: ብመልሓስና: ብኢድና: ብተግባርናን ብስራሕናን ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ክንብድል እንከለና እዩ።

    إِنَّمَا السَّبِيلُ عَلَى الَّذِينَ يَظْلِمُونَ النَّاسَ وَيَبْغُونَ فِي الْأَرْضِ بِغَيْرِ الْحَقِّ أُولَٰئِكَ لَهُمْ عَذَابٌ أَلِيمٌ


    እቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ወዲ-ሰብ ንነብሱ ክዘልም እንከሎ እዩ: ኣብ ዘንቢ ብምውዳቕ: ዶባት ናይ ኣላህ ብምጥሓስ: ንነብሱ ካብ ኼር ብምሕራም የጠቓልል። ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ኣብ ሓዲስ

    الدَّوَاوِينُ عِنْدَ اللَّهِ ثَلاثَةٌ: دِيوَانٌ لا يَعْبَأُ اللَّهُ بِهِ شَيْئًا، وَدِيوَانٌ لا يَتْرُكُ اللَّهُ مِنْهُ شَيْئًا، وَدِيوَانٌ لا يَغْفِرُهُ اللَّهُ،

    ''ኣብ እንዳረቢ ሰለስተ ዓይነት ጽሕፍቶ ናይ ስራሕና (ሰነድ) እዩ ዘሎ: እቲ ሓደ ረቢ ዘይቕፍሮ ክኸውን እንከሎ (ሺርኪ ወይድማ ምስ ኣላህ ካልእ መሻርኽቲ ክትገብረሉ እንከለኻ እዩ): እቲ ካላኣይ ወዲ ሰብ ነብሱ በዲሉ ኣብ ዘንቢ ዝኣትዎ እዩ: ረቢ እንተደልዩ ይምሕሮ እንተደልዩ ድማ ዝቐጽዖ እዩ: እቲ ሳልሳይ ድማ ረቢ ዘይገድፎ እዩ: ንሱ ድማ ኣብ ሞንጎ ነብሱን ኣብ ሞንጎ ካልኦትን ኮይኑ ኣብ የውመልቅያማ ኣብ ቅድሚ ኣላህ ደው ኢሎም ዝተሓሳሰብሉ ዙልሚ እዩ'' ኢሎም::


    ስለዚ ዓመጽ ከልኪሉና እዩ ኣይንተዓማመጽ። ረቢ ሓይልን ዓቕምን ሂቡካ ንኻልኦት ኣይትዓምጽ: ዓመጽ ጣዕሳ እዩ መወዳእትኡ: ዓሚጽካ ደቂስካ እንተሓደረካ: ዝተዓመጸ ናብ ረቢ ዱዕኡ የብጽሕ እዩ ዘሎ: ናይ ኣላህ ዓይኒ ድማ ይርእያ እየን ዘለዋ ኣይደቀሳን።
    ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ይሕብሩና ኣለው: ናይ ዝተዓመጸ ዱዓ መላሲ (ከልካሊ) ከምዘይብላ: ንላዕሊ ምስ ዓረገት ባብ ናይ ሰማይ ይኽፈተላ: ኣላህ ድማ ወላ ድሕሪ ነዊሕ ይኹን ከዐውተኪ እየ ይብላ: ስለዚ ካብ ዓመጽ (በደል) ክንጥንቀቕን ክንፈርሕን ከምዘለና ምዒዶምና።


    ሓደ ካብቲ ዝኸፈአ ዓይነት ዓመጻት: ዓመጽ መራሒ: ጉዳይ ሙስሊሚን ሓላፍነት ዝተሰከመ ሰብ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጽሞ በደል እዩ:: ረሱል (ሰ.ዓ.ወ) ንካዕብ ኢብን ዑጅራ ዝትባህለ ሰሓቢ ክምዕድዎ እንከለው ክምዚ በልዎ: ''ኣብ ቅድሚ ኣላህ እቲ ዝተጸልኤ ፍጡር: ሕማቕ ዓማጺ መራሒ እዩ: ያ ካዕብ: ኣለው መራሕቲ ብድሕረይ ዝመጹ: ብብርሃነይ ዘይምርሑ: ሱና ናተይ ዘይክተሉ: ንሓሶቶም ዝኣመንዎም: ኣብ ዓመጾም ዝሓገዝዎም ካባይ ኣይኮኑን: ኣነ'ውን ካብኦም ኣይኮንኩን: ኣብ መዓልቲ ቅያማ ድማ ካብቲ ''ሓውድ'' ናተይ ኣይሰትዩን እዮም: እንተ'ቶም ንሓሶቶም ዘይኣመኑ: ኣብ በደላቶም ዘይሓገዝዎም ግን: ንሳቶም ካባይ እዮም: ኣነ'ውን ካብኦም እየ: ኣብ ሓውድ ናተይ ድማ ክንራኸብ ኢና: ያ ካዕብ ጾም ዋልታ እዩ: ሰደቓ ንዘንብኻ ተጥፍኦ ከምቲ ማይ ንሓዊ ዘጥፍኦ: ሰላት ድማ ምስክር እያ: ሰባት ክልተ ዓይነት እዮም: እቶም ሓደ ዓይነት ንነብሶም ኣብ ጥፍኣት ዝሸመምዋ ክኾኑ እንከልው: እቶም ሓደ ድማ ካብ ክልኩል ነገራት ነጻ ዘውጽእዋ እዮም'' በልዎ::


    ክቡራት ሙእምኒን!

    ጽባሕ ንግሆ ንረቢ (ሱ.ወ) ካብ ደም ምፍሳስ የሕዋትና ብንጹህ ኢድ ክንረኽቦ እንተደሊና: ብንጹህ መልሓስ ክብረት የሕዋትና ከይቀንጠጥና ክንረኽቦ እንተደሊና: ከብድና ገንዘብ የሕዋትና ከይበለዐት ክንረኽቦ እንተደሊና: ካብ ዓመጽ (ዙልሚ) ንከልከል::


    ስለዚ ፍትሒ ከነንግስ: ንዓመጽ ገዲፍና ፍትሒ ከነቐድም ይግበኣና ብፍላይ እኳ እቶም ንኽፈርዱ ሓላፍነት ዝተዋህቦም: ሚዛን ሓሊዮም ብፍትሒ ክፈርዱ ዝያዳ ሓላፍነት ኣለዎም:: ረሱል (ሰ.ዓ.ወ): ''ፈርድቲ ሰለስተ ዓይነት እዮም'' ኢሎም: ''እቲ ሓደ ንጀና እዩ: እቶም ክልተ ግና ንጀሃነም እዮም'' ድሕሪ ምባል ብኸምዚ ኣብሪሀሞ: ''እቲ ንሓቂ ፈሊጡ: ብፍልጠት ሓቂ (ብፍትሒ) ዝፈረደ ንጀና እዩ: እቶም ክንልተ ንጀሃነም ዝኾኑ ድማ: ንሓቂ ፈሊጡ: ብሓሶት ዝፈረደን ሓንቲ ፍልጠት ዘይብሉ ብዊንትኡ ንሰባት ዝፈረደን እዮም'' ኢሎም::


    ክቡራት ሙስልሚን!

    ፍትሒ ክበሃል እንከሎ ብዙሕ እዩ ዓይነቱ:
    1. ፍትሒ ኣብ ሞንጎ ብኡሳት: እቲ ዘተዓርቖም ሰብ ብፍትሒ ከቃራርቦም: እቶም ብኡሳት ኣብ ዝተዓረቕሉ ድማ ብፍትሒ ብዘይ ዓመጽ ጉዳዮም መዕለቢ ክገብርሉ::
    2. ፍትሒ ኣብ ሚዛንን ዓቐንን: ሸያጣይ ኣብ ዝሸጠሉ እዋን ብግቡእ መዚኑ ብዘይ ምጉዳልን ብፍትሕን ክዕቅንን ክመዝንን: ንሰባት ግቡኦም ከየግድለሎም: እቶም ዝዕድጉ'ውን ካብ ዝግበኦም ንላዕሊ ከይወስዱ::


    3. ፍትሒ ኣብ ሞንጎ ምርዕዋት: ሰብኣይ ንሰብይቲ ብፍትሒ ክሕዛ: ዝግበኣ ከየጉድለላ: ንሳ'ውን ምስኡ ብፍትሒ ብዘይዓመጽ ክትካየድ:


    4. ፍትሒ ኣብ ሞንጎ ደቅና: ብዙሓት ደቂ እንተለውኻ ብሓደ ዓይኒ ክትርእዮም: ሓደ ካብ ሓደ ከይተብልጽ: ናብ ገሊኦም ከይትዘዙ ንገሊኦም ከይትጎስዮም ክትጥንቀቕ:: ኣስላማይ ወላ'ታ ቀላል ትበሃል ስዕመት'ውን ትኹን ብማዕረ የካፍሎም: ኣብ ህያብ ኣየበላልጾምን:


    ብልጸትን ዓስብን ፍትሒ ብዙሕ እዩ: ብዓቢኡ ካብ ኣላህ (ሱ.ወ) ፍቶት ትጎናጸፍ:

    وأقسطوا إن الله يحب المقسطين

    ፍትሒ ኣብ ኣዱንያ ሰላም ንኽነግስ ይሕግዝ: ካብ ሰባት ትፈርሆን ትስከፎን ድማ የብልካን:: ሓደ ግዜ ንሰይድና ዑመር ክረክብ ኢሉ ዝተላእከ: ''ኣበይ ኣሎ መራሒ ናይ ሙስሊሚን?'' ኢሉ ሓተተ: ኣብ ትሕቲ ገረብ ብዘይ ሓላዊ ደቂሱ ምስ ረኣዮም ብምግራም: ''መሪሕካ ፍትሒ ኣንጊስካ: ተኣማሚንካ ድማ ደቂስካ'' ክብል ተሰምዐ::
    ፍትሒ: ንድኹም: ንድኻን ንሽጉርን ውሕስነት ይህብ: ኣብ ሞንጎ መራሕን ተመራሕን ፍቶትን ፍቕርን ይዘርእ: ንዓማጺ ቦታ ይኸልእ: ክብረት ደቂ ሰባት ይሕሎ: ደሞም ይዕቀብ: ሰላም ይሰፍን: ጽልእን ቅርሕንትን ድማ ይውገድ::

    ናይካ አስተያየት ይግድሸና ኢዩ