ምብኻንን

ሐጭር አገላለፅ

እዚአ ጹሑፍ ሲለ ምብኻንን ዝትገልጽ ጹሑፍ ኢያ

Download
ነዛ ገፅ ወናኒ ርኢቶኻ ፅሓፈሉ

ሰፍሕ ዓይነት

    ምብኻንን

    ዳር - አል - ኑር

    —™

    ካሊፋ ሐማድ እስማዕል

    ዓብዱልቃድር ሙሐመድ አዋል

    الإسراف

    دار - النور

    —™

    خليفة حمد اسماعيل

    عبد القادر محمد أول

    بسم الله الرحمن الرحيم


    ክቡራት ሙስሊሚን!

    ወዲ ሰብ ብተፈጥርኡ: ብዙሕ ዘህልኽ: ብዘይ መጠንን ዓቐንን ዘባኽን: ኣብ ኣጠቓቕማ ነገራት ድማ ዘይጥንቁቕ እዩ። ሃብቲ ረኺቡ እንተርህይዎ ዝብዝር: እንተረኸበ ድማ ዝዘሩ እዩ። ረቢ (ሱ.ወ) ብዛዕባ ባህርያት ናይ ደቂሰባት ኣብ ምብኻንን ዶብ ጥሒስካ ማእከልነት ዘይምሓዝን ኣብ ቁርኣን ክገልጾ እንከሎ ከምዚ ይብል:

    كَلَّا إِنَّ الإِنْسَانَ لَيَطْغَى * أَنْ رَآَهُ اسْتَغْنَى

    ኣብ ካልእ ኣያ ድማ

    وَلَوْ بَسَطَ اللهُ الرِّزْقَ لِعِبَادِهِ لَبَغَوْا فِي الأَرْضِ وَلَكِنْ يُنَزِّلُ بِقَدَرٍ مَا يَشَاءُ إِنَّهُ بِعِبَادِهِ خَبِيرٌ بَصِيرٌ


    ንወዲ ሰብ ንምምሃሩን ንምእራሙን ዝኣክል: ረቢ (ሱ.ወ) ኣብ ኩሉ ኣካይዳናን ወላ ኣብ ዒባዳና ከይተረፈ ማእከላይ ኣካይዳ ክንከይድ ይሕብረና። ረሱል (ሰ.ዓ.ወ)'ውን ብወገኖም ኣብ ኣካይዳኹምን ኣተሓሕዛኹምን ኣዘራርባኹም ስራሕኩም ኩሉ ማእከላይ: ሕሉፍ ዘይበዘሐ ኣመና ድማ ዘይወሓደ ክኸውን ከምዝግበኦ ክነግሩና እንከልው ከምዚ ይብሉ:

    والقصد القصد تبلغوا

    እንተምብኻን (ምብዛር) ግና ተኸልኪልና ኢና:

    وَلَا تُسْرِفُوا إِنَّهُ لَا يُحِبُّ المُسْرِفِينَ

    ''ኣይተባኽኑ ንሱ (ኣላህ) ዘባኽኑ ኣይፈቱን እዩ''። እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ነገራትና ኣባኸንቲ ንኸይንኸውን ዘጠንቅቕ ትእዛዝ እዩ። ወላውን ኣብ ክሕደት ምብኻን ኣሎ: ካብ መጠን ንላዕሊ ንነብስኻ ኣብ ዘንቢ ኣሊኽካዮ እሞ ናብ ኩፍሪ እንተኣቲኻ ንስኻ ኣብ ልዕሊ ነብስኻ ኣባኺንካ ማለት እዩ: ንፊርዖን ረቢ (ሱ.ወ) ኣብ ቁርኣን ክገልጾኦ እንከሎ:

    وَإِنَّ فِرْعَوْنَ لَعَالٍ فِي الأَرْضِ وَإِنَّهُ لَمِنَ المُسْرِفِينَ

    ነዞም ከምዚኦም ዓይነት ሰባት: ቶባ ኢሎም ናብ ልቦም እንተዘይተመሊሶም: ዓስቦም ንሓዋሩ ኣብ ሓዊ ጀሃነም ክነብሩ እዩ።

    وَكَذَلِكَ نَجْزِي مَنْ أَسْرَفَ وَلَمْ يُؤْمِنْ بِآَيَاتِ رَبِّهِ وَلَعَذَابُ الآَخِرَةِ أَشَدُّ وَأَبْقَى

    ኣብ ካልእ ኣያ ድማ

    وَأَنَّ المُسْرِفِينَ هُمْ أَصْحَابُ النَّار

    ባርያ ናይ ረቢ ተጋግዩ ኣብ ኢስራፍ ኣትዩ ኣመና ኣብ ዘንቢ እንተጠሓለ: ክብደትን ርዝነትን ዘንቡ ብዘየገድስ ቶባ ኢሉ ናብ ረቢ ክምለስ ጥራይ እዩ ኣላህ (ዓ.ወ) ዘዘኻኽርን ዝእዝዝን: ነቶም ነብሶም በዲሎም ኣብ ልዕሊ ነብሶም ብዘንቢ ኣብ ሓደጋ ዘውደቕዋ: ካብ ናይ ኣላህ ርህራሀን ራሕማን ተስፋ ኣይትቑረጹ በሎም: ኣላህ እካ ኩሉ ዓይነት ዘንቢ ይምሕር (ይቕፍር) እዩ: ኣላህ መሓራይን ለዋህን እዩ በሎም ይብል።

    قُلْ يَا عِبَادِيَ الَّذِينَ أَسْرَفُوا عَلَى أَنْفُسِهِمْ لَا تَقْنَطُوا مِنْ رَحْمَةِ اللهِ إِنَّ اللهَ يَغْفِرُ الذُّنُوبَ جَمِيعًا إِنَّهُ هُوَ الغَفُورُ الرَّحِيمُ

    ናይቶም ሓቀኛ ባሮት ናይ ኣላህ ናይ ወትሩ ዱዓ ከምዚ ይመስል:

    رَبَّنَا اغْفِرْ لَنَا ذُنُوبَنَا وَإِسْرَافَنَا فِي أَمْرِنَا
    ክቡራት ሙእምኒን

    ጉዳይ ምብኻን ኣብ ዘንቢ ጥራይ ኣይተሓጽረን: መግቢ ክትገዝኦ ክትበልዖ ክትድርብዮን ብዘይግቡእ ከተባኽኖን ከምዘይብልካ ከይተረፈ

    ረቢ ኣብ ቁርኣን ይኽልክል እዩ።

    كُلُوا مِنْ ثَمَرِهِ إِذَا أَثْمَرَ وَآَتُوا حَقَّهُ يَوْمَ حَصَادِهِ وَلَا تُسْرِفُوا إِنَّهُ لَا يُحِبُّ المُسْرِفِينَ


    ኣብ ኣከዳድናና ኣብ ኣመጋግባና ከምኡውን ኣብ ኣሰታትያና ከይተረፈውን ኣባኸንቲ ከይንኸውን ረቢ የጠንቀቐና።

    يَا بَنِي آَدَمَ خُذُوا زِينَتَكُمْ عِنْدَ كُلِّ مَسْجِدٍ وَكُلُوا وَاشْرَبُوا وَلَا تُسْرِفُوا إِنَّهُ لَا يُحِبُّ المُسْرِفِينَ

    እስልምንና ዲንና ካብ ኣባኻንነት ዝኽልክለና ዘሎ: ነገራት ከይንዘሩ: ካብ መጠን ንላዕሊ ከይነጥፍእ ዝምዕደና ዘሎ: ንድሕነት ገንዘብና: ንምዕቃብ ጸጋታትናን ትሕዝቶታትናን እዩ: ምኽንያቱ እዚኣቶም ኣብ መዓልቲ ቅያማ ኣብ ቅድሚ ረቢ ደው ኢልና ንሕተተሎም ጉዳያት ስለዝኾኑ። ገንዘብካ ካበይ ኣምጺእካዮ ኣበይከ ኣውዒልካዮ ዝብል ሓደ ካብቲ ዝጽበየና ዘሎ ሕቶታት እዩ።
    ገንዘብካ ምዝራው: ንድኽነት ዝዕድም: ንጣዕሳ ዘቃልዕ: ንስድራቤትካን ደቅኻን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓደገኛ ጠባይ እዩ። ገንዘብካ ምሕላው ግና ንዲንካ: ክብረትካን ሸረፍካ ምሕላው እዩ። ገንዘብ ዘይውንኑ ህዝቢ ብኻልኦት ህዝቢ ዝድለ ክብርን ኣኽብሮትን ኣይረኽቡን እዮም። ደቂ ሰባት ብተፈጥርኦም ነቶም ሓይሊ ገንዘብ ኮነ ጸግዒ ዘይብሎም ሰባት ቁሊሕ ኢልካ ናይ ዘይምጥማት ድኹም ኣረኣእያ ስለዘለዎም: እቶም ለባማት ክምዕዱ እንከልው: ገንዘቡ ዓቁቡ ዝሓለወ ዲኑን ክብረቱን ዓቂቡ ማለት እዩ ይብሉ።
    ኣብ እስልምና ሰሪሕካን ርሂጽካን ገንዘብ ክትከስብ: ብሓላል ከተሰስኖን ከተብዝሖን ኣይክልክልን እዩ: ንዕኡ ንምምጻእ ምንጩ ዘይተፈልጠ ጸደፍደፍን: ኣብ ሓራም እንዳወደቕካ ክትእክቦን ግና ከልኪሉ።
    ካብቲ ብዙሕ ነገራት ደቂሰባት ገንዘቦም ዝዘርውዎ ክልኩል ዝበሃል ገለ ገለ ንምጥቃስ: ኣብ ግዜ መርዓ ብዘይ መጠን ቦሽ ቦሽ ኢልካ ገንዘብካ ምዝራው: ናብ ዓዲ ዘንብን ኩፍርን ክትስዕስዕን ክትዝሙን ኢልካ ንመገሻታት ከተህልኽ: ንትዕቢትን ረኣዩለይን ዝዕድም ኣከዳድናን ኣካይዳን ካልእን ካብቶም ጽሉኣትን ክልኩላትን እዩም። ረቢ ንዝሃበካ ኒዕማ ኣክንዲ ምስጋና ናብ ረቢ ኣቕሪብካ ኣብ ግቡእ ተውዕሎ ኣብ ከምዚ ዝጠቐስናዮም ተጥፍኦ እንተኾንካ ክሕደት ብኒዕማ ናይ ረቢ እዩ ዝቑጸር።
    ኣብዛ ዓለምና ክንደይ ድዮም ካብ ገዝኦም ተሰዲዶም: ብጥምየት ከብዶም ምስ ሕቑኦም ተላጊቡ ነዛ መዓልታዊ ሂወቶም ዝዕንገሉላ ስኢኖም ዘለው? ብቑርን ኣስሓይታን እንዳተገረፉ ኣብ ጎላጉል ተደርብዮም ዘለው ሙስልሚን የሕዋትና መዓስ ውሑዳት ኮይኖም። ንሕና ግና ነዞኦም ረሲዕና ገንዘብና ኣብ ዘይከውን ከነባኽን ረቢ ኣይፈትዎን ጥራይ ዘይኮነ ንመቕጻዕቲ ዝዕድመና ስለዝኾነ ሓደራ ንበራበር። ብዙሓት ብጥምየትን ብጽምእን ብቑርን ይረግፉ ኣለው: በዚኦም ዘይምግዳስን ንዐኦም ምርሳዕን ነቲ ረቢ ዝሃበካ ኒዕማ ንኽትሕደግ ምኽንያት ክኾነካ ይኽእል እዩ።
    ወለዲ ድማ ሓደራ ነንስቶምን ደቆምን ከሐጉሱ ክብሉ ካብዘይተደልየ ኣባኻንነት ንኸይኣትው ክጥንቀቑ ይግባእ። ኣብ ሓራም ኣውዒልካ ትንስነሶ ግዜን ትረኽቦ መቐረትን ኣዝዩ ሓጺርን ሓላፋይን ተረሳዓይን እዩ: እቲ ዝወዓልካዮ ዘንቢ ግና ኣብ ዝባንካ ተንጠልጢሉ ይተርፍ: ጽባሕ ንግሆ የጣዕሰካ ንመቕጻዕቲ ድማ የሕሊፉ ይህበካ።

    يَا أَيُّهَا الَّذِينَ آَمَنُوا إِنَّ مِنْ أَزْوَاجِكُمْ وَأَوْلَادِكُمْ عَدُوًّا لَكُمْ فَاحْذَرُوهُمْ وَإِنْ تَعْفُوا وَتَصْفَحُوا وَتَغْفِرُوا فَإِنَّ اللهَ غَفُورٌ رَحِيمٌ(14) إِنَّمَا أَمْوَالُكُمْ وَأَوْلَادُكُمْ فِتْنَةٌ وَاللهُ عِنْدَهُ أَجْرٌ عَظِيمٌ

    እምበኣርከስ ኣካይዳ እስልምና ገዲፍና ብናይ ካልኦት ፍልስፍናን ኣተሓሳስባን ክንከይድ እንተፈቲንና: ውጺኢቱ ንዓለምና ክንመስል ክንብል ከይተፈለጠና ምእንቲ ነብስና ደቅናን ከነሐጉስ ኣብ ሓራጣ: ኣብ ከቢድ ልቃሕን ዘይወጽእ ዘንብን ክንወድቕ ክንግደድ ኢና። ንከባቢና ክንመስልን ኩሉ ሰብ ጌርዎ እንድዩ እንዳበልና ገዛ ንኽንዕድግ: ደቅና ብፈንጠዝያ ንኸነመርዑ: ንዕኦም ዓመት ዓመት ናብ ዓዲ ዘንቢ ከነግይሽ: ኣቑሑት ገዛ ብዘይ መጠን ከነብለጭልጭ ክንብል ኣብ ናይ ባንክን ካልእን ዕዳ ኣቲና ብሓረጣ ክንተዓማመል ክንድረኽ ኢና እሞ ሓደራ: ሃብቲ ማለት ሃብቲ ገንዘብን ጸጋታትን ዘይኮነ ዕግበት ልቢ እዩ እሞ: ብሓላል ጠሊብና ካብ ሓራም ንርሓቕ።

    ናይካ አስተያየት ይግድሸና ኢዩ